ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን! ሓጺር ጸብጻብ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅዱስ ዑራኤል
Nigsti Berhanu
12/1/20251 min read
ኣብቲ 22 ሕዳር 2025 ዝነበረ ቅዳሴ ንምእመናን ሪፖርት ንምቕራብ ተዳልየ እኳ እንተመጻኹ፣ እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መደብ ምስጋና ስለ ዝነበረ፣ ነቲ ሪፖርት ክገብሮ ኣይከኣልኩን። ኣብዚ ግዜ'ዚ ነቲ ክትብሎ ዝደለኹዎ ዝነበርኩ ሓጺር ጸብጻብ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ኣቕሪበ ኣለኹ።
ስለምንታይ ሪፖርት?
ንዓመታት ኣብ ኣገልግሎት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝነበርኩ ሰብ ምዃነይ፡ ዝተሰርሐ ስራሕ ንምእመናን ክገልጽ ቅንዕና ስለ ዝስምዓኒ እዩ። ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ሰበካ ጉባኤ ካብ 2019 ክሳብ ግንቦት 2024 ከም ኣባልን፡ ካብ 2020 ክሳብ ግንቦት 2024 ከም መመሓደሪት ቤተ ክርስቲያንና ኾይነ ኣገልጊለ። እቲ ሪፖርት ዝርዝር ስራሓትን፡ ኣብ ምዕባይ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ተራን ዘንጸባርቕ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ምስጋና
ኣብቲ ዝነበረ ምስጋና፡ ንዝተረስዑ ሰባት ብቕንዕና ይቕረታ ክብል ይደሊ። እቲ ሓዱሽ ሰበካ ጉባኤ ምስ ናይ ቀደም ሰበካ ጉባኤ ብዝግባእ ምትሕውዋስ ስላ ዘይገበረ፡ ዝተገበረ ኩሉ ድማ ስለ ዘይፈልጦ፡ እዚ ዘጋጠመ ብቅንዕና እዩ። ንቶም ኣብ ጎነይ ኾይኖም ዝሰርሑ ምእመናንን ኣቦታት ካህናትን ዝርዝሮም ኣብቲ ምሉእ ዶክዩመንት ስለ ዝርከብ፡ እቲ ሰበካ ጉባኤ ዘድሊ ናይ እርማት ስጉምቲ ክወስድ ይላበ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ
እቲ ምሉእ ጸብጻብ ብዛዕባ፡ ደብረ ብርሃን ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዮተቦሪ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብን፡ ውሽጣዊ ሕግታትን መስርሓትን ምቕማጥን፡ኣብ ምዕባይ ቤተ ክርስቲያን ዝተገበረ ኣገልግሎትን፡ ንዝምልከተና ኣቦይ ቀሺ ምስቲ ሓዱሽ ሰበካ ጉባኤ ብምዃን ንዝሃቡና ምስክር ወረቐት ዝቐርብ ምስጋናን ዝሓዘ እዩ።
ምሉእ ጸብጻብ ንምንባብ!
እቲ ዝሓዝክዎ ቃል ንምፍጻም፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ሓጺር ጸብጻብ ኣብዚ Google Drive Link ኣቐሚጠዮ ኣለኹ።
ኣምላክ ምሳና ይኹን!